News

ፈነወ ቋንቋ ትግርኛ ድምጺ ኣመሪካ ዕለታዊ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ን 30 ደቒቕ ካብ ዋሺንግተን ዲሲ ይመሓላለፍ። ፈነወ ትግርኛ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ሰዓት 10 ክሳብ 10:30 ምሸት ወይድማ ...
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ክሳብ ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ብዝነበሮም ተሳትፎ ናይ አካል ጉድኣት ዘጋጠሞም ልዕሊ 1- ሽሕ አባላት ሰራዊት መሬት መንበሪ ንምሃብ ዝተለሞ ሓረስቶት ንክመዛበሉን ነበርቲ እውን ዝብትን ኣካይዳ እዩ ብምባል ውደብ ትንሳኤ ሰብዓ ...
ኣብ ቀዳማይ ዙርያ 75-ሽሕ ዕጡቓት ነበር ዕጥቂ ናይ ምፍታሕን ናብ ማእከላት ተሃድሶ ናይ ምእታው ከይዲ ኣብ ክልል ትግራይ ሎሚ ሓሙስ 21 ሕዳር 2024 ተጀሚሩ። ነዞም ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ናብ ሕብረተሰብ ዝፋነውን ዝጣየሱን ዕጡቓት ነበር፣ ዕጥቂ ኣፍቲሕካ ...
ቅድሚ 21 ዓመታት ብ29 ሰነ 2001 ኣብ ስደት ዝዓረፈ ኤርትራዊ ገጣሚ ርእሶም ሃይለ ዛጊት ዝልዓለ ሸፈነን ተበጽሕነት ዝረኸበ’ዩ። ኣስታት ክልተ ሽሕ ግጥምታት ዝጸሓፈ ርእሶም፡ ስራሓቱ ኣብ ከም BBC: CNN: Rai ናይ ኢጣልያ: ረድዮ SBS ናይ ኣውስትራልያ: SABC ናይ ...
ካብ 771 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ክሳብ 612 ዓ/ም ዝነበረት ከተማን ቤተ እምነትን ኣብ ክልል ትግራይ ተረኺባ:: እቲ ጥንታዊት ቦታ ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ዝርከብ ኮይኑ ዘመነ ስልጣነ ደኣማት (ይሓ) ምስ ስልጣነ ኣክሱም ዘራኽብ እዩ ተባሂሉ:: ኣብዚ ጉዳይ ጠሚቱ ...
ፈነወ ትግርኛ ብናይ`ዚ መዓልቲ ዓበይቲ ዜና ይጅምር ። ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረኽቦም ቃለ-መጠይቓትን ሰሙናዊ መደባትን ድማ የስዕብ ። ሰሙናዊ መደባት ዓርቢ፡ ቂሔ-ጽልሚ / ፍሉይ መደብ/ ሕቶን መልስን ...
15 ሚያዝያ ዝጀመረ ኲናት ሱዳን፡ ነቶም ኣቐዲሞም’ውን ግዳይ ተደጋጋሚ ዒላማ በበይኖም ወገናት ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝበኣሰ ጸገም ኰይኑዎም ኣሎ። ምስቲ ዘሎ ሽግር መራኸቢታት ምስ ኣብ ሱዳን ዘለዉ ስደተኛታት ንምዝርራብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ...
ዩስኤኣይዲ (ትካል ስግር ባሕሪ ግብረ ሰናይ ኣሜሪካ)፣ ብዝመደበቶ ባጀት ሓደ ቢልዮን ቅርሺ፣ 59 ሽሕ ሜትሪክ ቶን እኽሊ፣ ኣብ ትግራይ ከምዘከፋፈለ ማሕበረ ረድኤት ትግራይ (ማረት) ኣፍሊጡ። ማረት ከምዝገለጾ ‘ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን፣ ህዝቢ’ቲ ክልል ...
ኣብ ክልል ትግራይ ዝሓለፈ ክራማት ዝሓሸ ሽፋን ዝናብ ከምዝተራእየ ሓረስቶት እውን እኹል ዘመናዊ ድኹዒ ከምዝቐረበሎም ካብ ሄክታር ብማእኸላይ 18 ኲንታል ምህርቲ ክርከብ ከምዝኽእል ቢሮ ሕርሻን ሃብቲ ተፈጥሮን እቲ ክልል ገሊፁ። ምክትል ሓላፊ ...
መራሕቲ ሃገራት ዓለም ሎሚ ዓርቢ 1 ታሕሳስ 2023 ኣብ ዱባይ ኣብ ዋዕላ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምዝርራብ ተኣኪቦም ኣለው። ማእኸላይ ምብራቕ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋዕላ ኩነታት ኣየር ክእንግድ እዚ ንተኸታታሊ ካልኣይ ግዜ እዩ። ሃገራት፤ ዓለም ክሳብ ...
“የኑረነቢ ማህደር” ብፍሉጥ ደራሲ ተስፋዬ ገብረኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወጸት ዳሕረወይቲ መጽሓፉ`ያ። ብመንእሰይ ዳንኤል ሃብተማርያም ናብ ትግርኛ ተተርጕማ ፡ ተሓቲማ ፡ ዝመጽእ ወርሒ ግንቦት ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ከምትምረቕ ደራሲ ሓቢሩ`ሎ ...
ሓረስቶት ካብ መሬቶም ብዙሕ ፍረ ንኽሓፍሱ ዝሕግዝ ስነ-ህይወታዊ ተፈጥሮ ተጠቂሙ ኣብ ርሕቀት ብዘሎ መሳርሒ ዝሕግዝ ምህዞ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኖርዝወስተርን ኣማዕቢሎም ኣለዉ። እዚ መሳርሒ’ዚ ሓረስቶት መሬትም ክፈልጡን ብኡ መጠን ከኣ ንምልማዕ ...